ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተመሓላሊፎም ኣብ ልዕሊ ዝተረኸቡ 268 ኣሽከርከርቲ ስጉምቲ ተወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተመሓላሊፎም ኣብ ልዕሊ ዝተረኸቡ 268 ኣሽከርከርቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ዲቪዥን መዕበዪ ግንዛበ ህዝቢ ምክትል ኢንስፔክተር ሰሎሞን አዳነ፥ 195 ኣሽከርከርቲ ትርፊ ሰብ ብምስፋር፣ 73 ኣሽከርከርቲ ድማ ካብ ዝተፈቐደሎም ታሪፍ ንላዕሊ ስለዘኽፈሉ ስጉምቲ ከምዝተወሰደሎም ገሊፆም።

ዝርገሐ ቫይረስ ጀኮሮና ንምቁፅፃርን ከስዕቦ ዝኽእል ጉድኣት ንምንካይን ተሓሲቡ ብፍላይ ድማ ኣሽከርከርቲ ቅድም ሕዚ ካብ ዘሳፍሩዎ ዝነበሩ ቁፅሪ ተሳፋሪ ብፍርቂ ክቕንሱ ከምዝግባእ ኣብቲ ኣዋጅ ግቡእ ዝተነበረ ዋላ እንተኾነ ዝተወሰኑ ነቲ ኣዋጅ ተመሓላሊፎም ከምዝተረኸቡ ተገሊፁ።

ንተሳፈርቲ ካብ ዝተፈቐደ ታሪፍ ንላዕሊ እናኽፈሉ ዝተረኸቡ ኣሽከርከርቲ ምህላዎም እውን እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም።

እቶም ሓላፊ፥ ኣሽከርከርቲ ኣብ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዝተደንገጉ ክልከላታት ብምኽባር ሓገዝቲ ክኾኑ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment