ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ን229 ሺሕን 370 ነበርቲ ዕድል ስራሕ ተፈጢሩ ኢዩ – ወ/ሮ ኣዳነች ኣበቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ን229 ሺሕን 370 ነበርቲ ሓደሽቲ ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠሩ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣበቤ ኣፍሊጠን።

ካብ ውሽጢ ዝተፈጠሩ ዕድል ስራሓት ድማ 179 ሺሕ ቀዋሚ ስራሕ እንትኸውን፥ ተረባሕቲ ዝኾኑ ነበርቲ ድማ 79 ሚኢታዊ መናእሰይን 48 ደቂ ኣንስቲዮ ኢየን ኢለን ወይዘሮ ኣዳነች።

እዚ ዝበረታታዕ ውፅኢት ኢዩ ዝበላ እተን ምክትል ከንቲባ፥ ይኹን እምበር ኣብታ ከተማ ብመንፅር ዝረአ መጠን ስእነት ስራሕ ግን ብዙሕ ስራሕ ከምዝተርፍ ኣብሪሀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment