ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ልዕሊ 2 ሺሕን 700 ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ኲናት ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ልዕሊ 2 ሺሕን 700 ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ኲናት ከምዝተትሓዙ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምስ ፖሊስ ፌደረራልን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ብምውዳድ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላለዩ መንበሪ ኣባይቲ፣ ትካላትን ተሸከርከርቲን ሕጊ ንምኽባር ብዝገበሮ ብርበራን ፍተሸን እቶም መሳርሒታት ኲናት ሓዊሱ ልዕሊ 80 ሺሕ ዝተፈላለዩ ጠያይቲን ከምዝሓዘ ገሊፁ፡፡

24 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል እዚ ሰሜን ብጉጅለ ህወሓት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ስዒቡ፤ መንግስቲ ሕጊ ንምኽባር ወፍሪ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ልኡኽቶ እቲ ጉጅለ ተቐቢሎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ንምፍፃምን ኣብልዕሊ ህይወት ሰብን ንብረትን ልኡል ጉድኣት ክበፅሕ ንምግባር ዝንቀሳቐሱ ሓሊታት ጥፍኣት ትልሞም ከይዕወት ንምግባር እቲ ኮሚሽን ምስ ህዝቢን ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ተዋዲዱ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣፍሊጡ ኣሎ፡፡

እቲ ኮሚሽን ካብ 25 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዘሎ ሓደ ወርሒ ብሓበሬታ ህዝቢን ብኣካላት ፀፅታ ኣብ ዝተጠርጠሩ መንበሪ ኣባይቲን ዝተፈላለዩ ትካላትን ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ብዝገበሮ ብርበራ ከምኡ እውን ኣብ ተሸከርከርቲ ብዝተገበረ ፍተሻ፤ 60 ናይ ኢድ ቡምባ፣ 1 ፈንጂ ፀረ ተሸከርካሪ፣ ልዕሊ 141 ናይ ኢድን ዓውደ ኲናትን ነዊሕ ርሕቐት መራኸቢ ሬድዮ፣ 809 ክላሽንኮቭ ተበንጃ፣ 2 ላውንቸር፣ 976 ሽጉጣት፣ 924 ዝተፈላለዩ ጠበንጃታት ብሓፈሻ 2 ሺሕን 772 ዝተፈላለዩ ዓይነታት መሳርሒታት ኲናትን 80 ሺሕን 241 ፍሉያት ተያይቲ ከምዝተትሓዙ ገሊፁ፡፡

ብተወሳኺ 1 ሺሕን 312 ዝተፈላለዩ መፍለዪ ክዳውንቲ ኣካላት ፀፅታን ብዙሓት ወታደራዊ ናውቲን ኣብ እዋን ፍተሸ ከምዝተረኸቡ እውን ተገሊፁ፡፡

1 ሺሕን 799 ሓደሽቲ ሲም ካርድታት፣ 6 ናይ ወፃኢ ሃገር መሳርሒ መጥለፊ ስልኪ፣ 629 ተንቀሳቐስቲ ስልኪታት፣ ዝተፈላለየ ሒሳብ ደፍተር ባንኪታትን ማሕተማትን ከምኡ እውን ኣብ ኢድ ሓይሊታት ፀፅታ ጥራሕ ክርከቡ ዝግበኦም ብዙሓት ናውቲ ከምዝሓዘ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡

ሰላም እታ ከተማ ንምሕላው እናተሳለጠ ኣብ ዘሎ ምንቅስቓስ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ፥ ብፍተሸን ብርበራን ካብ ዝተትሓዙ መሳርሒታት ኲናት ብተወሳኺ፤ ልዕሊ ብር 4 ሚሊየንን 300፣ 248 ሺሕን 942 ዶላረ ኣሜሪካ፣ 3 ሺሕን 172 ዩሮን ልዕሊ 192 ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ገንዘብ ከምዝተትሓዘ እቲ ኮሚሽን ኣብሪሁ፡፡

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንጉጅለ ህወሓት ይለኣኣኹ ነይሮም ብዝብል ካብ ሞንጎ ዝተጠርጠሩ 1 ሺሕን 127 ውልቀ ሰባት፥ 1 ሺሕን 88 ሰባት ኣብትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉን ኣብ 1 ሺሕን 938 መዝገብ ክሲ ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝርከብን ኣብሪሁ፡፡

ንፀፅታ ስግኣት ኢዮም ተባሂሎም ኣብ ዝተጠርጠሩ መንበሪ ኣባይቲ፣ ትካላትን ውልቀ ሰባትን ዝግበር ብርበራን ፍተሻን ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዝገለፀ እቲ ኮሚሽን፥ ሕብረተሰብ ድጋፍን ሓበሬታ ብመሃብን ቅድሚ ሕዚ ከም ዝገበሮ ኣብ ጎኒ ፖሊስ ጠጠው ንኽብል ሓቲቱ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment