ኣብ ኣዲስ ኣበባ ን3ይ ግዘ ናይ ጎዳና ኢፍጣር ከምዝካየድ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ጎዳና ኢፍጣር ኣብ ዝቕፅል ቀዳም ን3ይ ግዘ ከምዝካየድ ተገሊፁ።

እቲ ኢፍጣር ጎዳና፥ “ኢፍጣርና ንወገናትና” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣደባባይ መስቀል ከምዝካየድ ተሓቢሩ፡፡

ረመዳን ወርሒ ምትሕብባር፣ ምትሕግጋዝ ከምኡ እውን ወርሒ ምትሕዝዛን ብምዃኑ በቢመዓልቱ ንዝተፀገሙ ወገናት ሓገዝ ከምዝተኣኻኸብ ተገሊፁ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ኣፍጥር፥ ህዝበ ሙስሊም ንኣፍጥር ኣብ ገዝኡ ዘሰናደኦ ሒዙ ብምምፃእ ሕውነታዊ ርክቡ ንኸጠናኽር ፃውዒት ቀሪቡ።

ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኣሲስ ኣበባ ምስ ትካል ገባሪ ሰናይ ነጃሺ ብምዃን ዝምራሕ ስነስርዓት ከምዝኾ እውን ተሓቢሩ።

መርሃ-ግብሪ ዕዉት ንኽኸውን ኣብቲ ዕለት ልዕሊ 4 ሺሕ ወለንታውያን መናእሰይ ክሳተፉ ኢዮም፡፡

ብፈቲያ ኣብደላ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment