ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዘሎ ፕሮጀክት ፅሩይ መስተ ማይ ዝውዕል መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ይዝርጋሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዘሎ ፕሮጀክት ፅሩይ መስተ ማይ ዝውዕል መሰረተ ልምዓት ኤሌክትሪክ ይዝርጋሕ ከምዘሎ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

እቲ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ልዑል ፅርየት ብዘለዎም እታዎታት ዝፍፀም ብምዃኑ ቅድመ ሐዚ ዝርአ ዝነበረ ምቁርራፅ ኤሌክትሪክ ብልዑል ኩነታት ዝቕንስ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ፕሮጀክት ዝደፍኡን ዘፃርዩን 25 ሓደሽቲ  ጎዳጉዲ ዝሓዘ እንትኸውን፥ ሙሉእ ብሙሉእ እንትዛዘም 9 ነጥቢ 6 ሜጋ ዋት ሓይሊ መዓልታዊ ከምዝጥቀም ተገሊፁ።

እዚ ድማ ናብ መዓልታዊ  በዝሒ ተረባሒ ማይ እንትቕየር 860 ሺሕ ሰባት ማይ ንክረኽቡ ከምዘኽእል ተገሊፁ።

ነቲ ፕሮጀክት 81 ነጥቢ 2 ኪሎ ሜትር በዓል 33 ኪሎ ቮልት ልዑል ሓይሊ ተሸካሚ መስመር ከምዘድሊ ኣብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment