ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንክልል ሃረሪ መህነፂ ባህሊ ማእኸል ዝኸውን ቦታ ከምዝተሰናደአ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
በዓል ዒድ ሸዋል ሃይማኖታዊን ባህላዊን ክብርታቱ ብዝሓለወ መልክዑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኸበረ እንትኸውን፥ ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ተረኺበን ንመህነፂ ማእኸል ባህሊ ክልል ሃረሪ ቦታ ከምዝተሰናደአ ኣበሲረን፡፡
እተን ከንቲባ ከምዝገለፀኦ፥ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኩልና ከተማ ኢያ፤ ውቁብ ባህሊ ሸዋል ምስ ካልኦት ባህሊታትና ኣዋሂድና መድመቒ ሓድነትና ንኽኸውን እቲ ምምሕዳር ክሕግዝ ኢዩ፤ ሓሩ እውን ክሰርሕ ኢዩ” ክብላ ገሊፀን፡፡
ርእሰ ምምሕዳረ ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ ብግደኦም፥ በዓል ዒድ ሸዋል ምስ ካልኦት ኣሕዋት ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ብሓባር ንምኽባር ዝተገበረ ፃዕሪ ውፅኢታዊ ከምዝኾነ ምግላፆም ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።