ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገቡ ተምሃሮ 10ይን 12 ክፍሊን፣ መምህራንን ኣመራርሓታት ዘፈር ትምህርቲን መርሃ ግብሪሽልማትን ኣፍልጦን ተኻይዱ።
ኣብ ኣደባባይ ምሕዝነት ኣብ ዝተኻየደ እቲ መርሃ ግብሪ፥ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ብምመዓርግ ምክትል ከንቲባ መተሓባበሪ ወሃብቲ ኣገልግሎት ትካላት መንግስቲ ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ፣ መምህራን፣ ተምሃሮ፣ ከምኡ እውን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽ ተረኺቦም፡፡
እቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2012 ዓ.ም ኣብቲ ዓውዲ ዝተሰርሑ ስራሕቲን እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ተገሊፆም፡፡
ምክትል ከንቲባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዝተወለዐ ለበዳ ኮቪድ-19 ዘስዐቦ ፀገም ብምፅር መፅናዕቲ መሰረት ዝገበሩ ስትራቴጂታት ብምሕንፃፅ ተምሃሮ ንኽመሃሩ ንምግባር ልዑል ፃዕሪ ከምዝተገበረ ገሊፀን።
ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ፥ 4 ሺሕን 187 ንዝኾኑ ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2012 ዓ.ም ክልላዊ ፈተና 8ይ ክፍሊን ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊን ልዑል ውፅት ንዘመዝገቡ ተምሃሮ፤ ከምኡ እውን ኣብ 2013 ዓ.ም ብሓፈሻ ብሓፈሻ ልዑል ውፅት ንዘመዝገቡ ተምሃሮ. መምህራን፣ ሰብ ሞያታት ዘፈር ትምህርቲን ኣመራርሓታትን በቲ ምምሕዳር ከተማ ኣፍልጦ ተዋሂቡዎም፡፡
ብፌቨን ቢሻው
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!