ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሕብረተሰብ ዕለታዊ ሓበሬታ ዋጋ ዕዳጋ ዝህብ ሓዱሽ ድረ ገፅ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሕብረተሰብ ዕለታዊ ሓበሬታ ዋጋ ዕዳጋ ዝህብ ሓዱሽ ድረ ገፅ ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ ድረ ገፅ፥ ማሕበረሰብ ተንቀሳቓሲ ስልኪን መራኸብቲ ሜላታትን ብምጥቃም ሓበሬታታት ብምርካብ ዕዳጋ ንምርካብ ዘኽአል ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ ኣቕርቦትን ባህጊን ፍሪያታት ንምፍላጥ፣ ፍሪያት ዝሽየጥሉ ዋጋ ኣብ ዘለኻዮ ከባቢ ኮይንኻ ብቐሊሉ ንምፍላጥን ዝሕግዝ ኢዩ።

www.aaminfo.gov.et ” ብዝብል ዕላዊ ዝተገበረ ድረ ገፅ ካብ 28 ንላዕሊ ምስ ዝኾና ማእኸላት ዕዳጋ ዝተኣሳሰረ ከምዝኾነ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት እታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment