ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዝካየዱ ስራሕቲ ፀፅታን ድሕንነትን ዝበለፁ ተመክሮታት ኣብ ቤይጂንግ ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ዝካየዱ ስራሕቲ ፀፅታን ድሕንነትን ዝበለፁ ተመክሮታት ኣብ ቤይጂንግ ቀሪቡ።

እቲ ተመክሮ፥ ኮሚሽነራት ፖሊስ ምምሕዳር ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ኣብ ቻይና ቤይጂንግ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤ ድሕንነት ህዝቢ ዋና ከተማታት ዝተፈላላያ ሃገራት 2024 ኢዮም ኣቕሪበምዎ።

ኣብቲ ጉባኤ ካብ ኣፍሪካን ካልኦት ሃገራት ዓለምን ዝተውፃእፅኡ ናይ 18 ሃገራት ኣካላት ፀፅታ ዝተሳተፉ እንትኾኑ፥ ኮሚሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ጌቱ ኣርጋውን ኮሚሽነር ፖሊስ ድሬዳዋ ኣለሙ መግራን ተሳቲፎም።

ኮሚሽነር ጌቱ ኣርጋው፥ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፀፅታን ድሕንነትን እታ ከተማ ንምርግጋፅ ብፍላይ ዝውውር መዐወኒ እፃት፣ ዝውውር ዘይሕጋዊ ኣፅዋርን ካልኦት ገበናትን ኣብ ምቁፅፃር ዝተሰርሑ ውፅኢታዊ ስራሕቲን ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂን ኣቕሪቦም።

ፖሊስ ብስራሕቲ ሪፎርም ዘካየዶም ለውጢታት ቴክኖሎጂ፣ ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ገበን ንምክልኻል ዝተሰርሑ ቅድመ ምክልኻላት፣ ማሕበረሰብ ዝሓቖፈ ኣገልግሎት ፖሊስ ብፍላይ ገበን ግብረ ራዕዲነት ንምክልኻል ዝካየዱ ዘለዉ ውፅኢታዊ ተግባራት ኣብ መብሪሂኦም ኣካቲቶም።

 

 

Comments (0)
Add Comment