ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ናይ ሕሶት ገንዘብ እናሕተመ ዝነበረ ውልቀሰብን በቲ ገንዘብ እናተገልገሉ ዝነበሩ ተምሃሮን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝኾ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።
እቲ ናይ ሕሶት ገንዘብ እናሓተመ ዝነበረ ውልቀሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ዘሎ ብናይ ሕሶት ገንዘብ እናተዓዳደጉ ዝነበሩ ሰባት ተታሒዞም ምርመራ ብዝተገበረሎም ኣርባዕተ ተምሃሮ መበገሲ ብምግባር ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡
ብቕድሚ ትማሊ ኣብታ ክፍለ ከተማ ወረዳ 8 ፍሉይ ሽሙ ካዛንቺስ ኣፍሪካ ዳቦ ቤት እናተብሃለ ኣብ ዝፅዕ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ገዛ ተጠርጣሪ ብሕጋዊ መገዲ ብዝተገበረ ፍተሻ 13 ሺሕን 200 ናይ ሕሶት ብርን እቲ ብር ንምሕታም ዘጥቀመሎም ዝተፈላዩ ናውቲ ከም መረዳእታ ከምዝተትሓዙ ተሓቢሩ፡፡
ሕብረተሰብ ዘይሕጋውያን ዝኾኑ ሰባት ተሓባባሪ ካብ ምዃን ጥንቃቐ ንኽገብርን ናይ ሕሶት ብር ብምሕታም ኮነ ኢሎም ገበን ንምፍፃም ዝንቀሳቐሱ ውልቀሰባት ካብ ተግባሮም ንኽቑጠቡን ፖሊስ ኣተሓሳሲቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።