ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሓሶት ሰነድ ንምድላው እንትውዕሉ ዝነበሩ ቲተራትን ኮምፒውተራትን ምስ ሓሙሽተ ተጠርጠርቲ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 01 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ብናይ ሓሶት መግንሒ ፍቓድ ዝገንሕ ካብ ዝነበረ ኣሽከርካሪ ብምብጋስ ብዝተገበረ ወፍሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ሓሶት ሰነድ ንምድላው እንትውዕሉ ዝነበሩ ዝተፈላለዩ ቲተራትን ኮምፒውተራትን ምስ ሓሙሽተ ተጠርጠርቲ ከምዝተትሓዙ ኣፍሊጡ።
እቶም ዝተፈላለዩ ቲተራትን ኮምፒውተራትን ኣብ ከፍለ ከተማ ቦሌ ከባቢ ጎላጉል ኣብ ዝርከብ ቤት ንግዲ ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ።
እቶም ተጠርጠርቲ ንተግባር ገበን ክውዕሉ ዝነበሩ ናይ ዝተፈላለዩ ትካላት ቲተራት ዘዳለዉ እንትኾኑ፥ ካብ መንጎ እዚኣቶም ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ወረዳ 11 ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር፣ ላዕለዋይ ቀዳማይ ቤት ፈርዲ ፌዴሪኢ ዝብሉ፣ መልካሙ በቃና አጋ ዝብል ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ወረዳ 11 ክፍለ ከተማ ጉለሌ ዝብልን “ሄራን ህትመትና ማስታወቂያ ስራ” ዝብሉን ዝተፈላለዩ ቴተራትን ካልኦት ናይ ሓሶት ሰነዳተን ምስ ኣርባዕተ ተጠርጠርቲ ኣብ ቁፅፅር ብምውዓል መርመራ ይገብር ከምዘሎ ገሊፁ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment