ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናዕቢ ክፍጠር ኢዩ ዝብል ዝናፈስ ወረ መሰረት ዘይብሉ ኢዩ – ዶ/ር ጌዲዮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓደሓደሰ ኤምባሲታትን ትካላት ሚዲያን ፍርሒ ራዕዲ ንምፍጣር ይፈትኑ እምበር ህይወት ብዝተለመደ መልክዑ ከምዝቐፀለ ሚኒስትር ፍትሒ ዶክተር ጌዲዮን ጢሞቴዎስ ገሊፆም።

ዶክተር ጌዲዮን ምስ ፍራንስ 24 ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ግምባር ተረኺቦም ንሰራዊት እናመርሑ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት እናብፀሖ ዝርከብ ምምዝባል ዜጋታት፣ መቕተልቲ ንፁን ሰባት፣ ዘረፋ ንብረትን ዕንወትን ንምቁራፅ እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣመልኪቶም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኤምባሲታት ሓደሓደ ሃገራትን ምዕራባውያን መራኸብቲ ሓፋሽን ራዕዲን ፍርሓትን ንምፍጣር ከምዝዛረቡዎ ዘይኮነስ፥ ህይወት ብዝተለመደ መልክዑ እናቐፀለ ከምዝኾነ ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናዕቢ ክፍጠር ኢዩ ዝብል ዝናፈስ ወረ መሰረት ዘይብሉ ከምዝኾነ ንምርግጋፅ፥ ባንኪታት፣ ኣቢያተ ትምህርቲ፣ ሹቓትን ማእኸላት ዕዳጋን ተዘዋዊርካ ምዕዛብ ከምዝከኣል ኣብሪሆም።

ብምኽንያት ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ዝርከቡ ሰባት ምርመራ ተገይሩሎም ናብ ቤት ፍርዲ ንኽቐርቡ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዝገለፁ ዶክተር ጌዲዮን፥ እቶም ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ዘለዉ ብዝተጠርጠሩሉ ገበን እምበር ብዝሰርሑሉ ትካል መሰረት ብምግባር ከምዘይኮነ ኣብሪሆም።

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ እናብፀሖ ዝርከብ ጥፍኣት ክንዲ ዝኹንን ስቕታ ከምዝመረፀ እውን ገሊፆም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment