ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናህሪ ዋጋ ንምርግጋዕ እናተሰርሐ ዘሎ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምኽትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ሓላፊ ቢሮ ስራሕቲ ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢንዱስትሪን ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ተዛሪቦም።
ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ምስ መመሓየሺ ኮሚቴ ግብረ ሓይሊ መረጋግዒ ዕዳጋን ናህሪ ዋጋን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ 15 መዓልቲ ሪፖርት ገምጊሞምⵆ
ኣብቲ እዋን ግምገማ፤ኣብ ዝሓለፉ 15 መዓልትታት ዘሎ ናህሪ ዋጋ ንምምሕያሽ ቀረብ ሸገር ዳቦን ዕዳጋ ሰንበትን ብምስፍሕፋሕ ቀረባት ዘይትን ስኳርን ዝሓሸ ከምዝነበረ ገሊፆም።
ኣብ ኣትኽልቲ፣ ፍራምረን ኢሉውን ዋጋ ጣፍን ካብ ስሩዕ ዋጋ ንታሕቲ ምቕራብ ከምዝተኸኣለ ፀሪሖም።
ብመንፅር ምጥንኻር ዓቕሚ ሕብረተሰብ ኣብ ትሑት ኢኮኖሚያዊ ዓቅሚ ዘለዎም ማሕበራት ብምህዋስ ዓቕሞም ናይ ምጥንኻር ስራሕ ከምዝተሰርሐ ኣብቲ ሪፖርት ቐሪቡ።
ዘይሕጋዊያን ንምክልኻል ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ክትትል ብምግባር ልዕሊ 1 ሽሕን 600 ዘይሕጋዊ ትካላት ብምፍላይ ልዕሊ 1 ሽሕን 300 ዝኾኑ ናብ ሕጋዊ ክምለሱ ከምዝኸኣሉ ቢሮ ስራሕቲ ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ኢንዱስትሪን የመላኽት።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።