ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትግበራ ምዘናን ምደባን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትግበራ ምዘናን ምደባን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ተጀሚሩ።

ቢሮ ፐብሊክ ሰርቪስን ልምዓት ሓይሊ ሰብን ምምሕዳር እታ ከተማ ምስ ምምሕዳር እታ ከተማ በምትሕበባር ኣብ 16 ትካላት ከካይዶ ዝፀንሐ ምድላው ምዕራፍ ምዘናን ምደባን ሰራሕተኛታት ብምዝዛም ሎሚ መዓልቲ ናብ ትግበራ ከምዝኣተወ ተገሊፁ።

ሓላፊ እቲ ቢሮ ጣሰው ገብሬ(ዶ/ር) ጠለብ ለውጢ ስርዓት ኣሰራርሓ፣ ስርዓት ተሓታትነት ዘይምህላው፣ ፀገም ኣወሃህባ ኣገልግሎት፣ ፀገማት ብቕዓት ምህላዎምን ስራሕን ሰራሕተኛን ዘይምምጥጣኖምን ነቲ ለውጢ ምኽኒያት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ እዋን ምድላው፥ ዝተፈላለዩ መፅናዕቲታት፣ ምፅዳቕ ኣዋጅ 84/2016ን ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ክካየዱ ከምዝፀንሑ ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ናይ ኣወዳድባ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ሓቢሮም።

መድላው ደንቢን መምርሒን ከምዝተኻየደን ናብ ስራሕ ዝኣተዉ መምርሒታት ከምዘለዉን ኣዘኻኺሮም።

ብመሰረት እዚ ኣብ 16 ትካላት ምልላይ ቴክኖሎጂን ስራሕቲ ምድላውን ከምዝተፈፀሙ ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

42 ሓደሽቲ መሰረተ ልምዓታት ኣይሲቲ ናብ ስራሕ ከምዝኣትዎ ተዛሪቦም።

ምዘና ብቕዓት ሰራሕተኛታት ብመሰረት ዓለም ለኸን ሃገራዊን መትከላት ምትግባሮም ብምግላፅ፥ ዝተውሃበ ፈተና ስዒቡ ካብ ዝሓለፉ ሰራሕተኛታት እቶም 99 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ከምዝተመደቡ ገሊፆም።

ልዕሊ 14 ሺሕ ሰራሕተኛታት ስልጠና ከምዝወሰዱ አወን ሓቢሮም።

ብኣፈወርቅ እያዩን መራኦል ከድርን

Comments (0)
Add Comment