ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ትራንስፖርት ኣዲስ ኣበባ ተርሚናል ትራንስፖርት ምፅዓንን ምውራድን ለውጢ ከምዝተገበረ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ ኣብ መገናኛ ተርሚናል ክህባ ዝፀንሓ ካብ መስመራት መገናኛ – ቃሊቲ፣ መገናኛ – ሳሪስ፣ መገናኛ – ጋርመንት ብጊዚያውነት ካብ መገናኛ ሙሉጌታ ህንፃ ትሕት ኢሉ ኣብ ዝርከብ ኣምቼ ፊት ንፊት መገዲ ኣብ ዘሎ ብኹሎም ሞዳሊቲ ኣገልግሎት ይወሃብ ከምዘሎ ተገሊፁ።
ብተመሳሳሊ ክፍለ ከተማ ቦሌ ፊት ንፊት እንትወሃብ ዝነበረ ካብ መገናኛ – ቱሉ ዲምቱን ኮዬ ፈቼ ኣገልግሎት አንትወሃብ ዝነበረ መስመራት ኣብ ጥቓ ኣምቼ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ቅድመ ሐዚ ኣብ ከባቢ ሙሉጌታ ህንፃ እንትወሃቡ ዝነበሩ መስመራት ካብ መገናኛ – ገርጂ፣ መገናኛ-ጎሮ፣ መገናኛ – ኣያትን ካብ መገናኛ – ሰሚት መስመራት ምፅዓንን ምውራድን ናብ ከባቢ ዘርፈሽዋል ኣብ ዝተዳለወ ጊዚያዊ ተርሚናል ብምዝዋር ብኹሎም ሞዳሊቲታት ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝተጀመረ ኣብቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድአ።