ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ4 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዶላር 100 ሺሕ ኣባይቲ ንምህናፅ ዘኽእል ስምምዕነት ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብ4 ነጥቢ 2 ቢሊየን ዶላር 100 ሺሕ መንበሪ ሓባር ኣባይቲ ንምህናፅ ዘኽእል ስምምዕነት ተኸቲሙ።
ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤን ተወካሊ ኩባኒያ 2000 ደቡብ ኣፍሪካን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።
ሙሉእ ወፃኢኡ በቲ ኩባኒያ ከምዝሽፈን እውን ተገሊፁ።
ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ድማ ነቲ ሀንፀት ዘድሊ መሬት ንከቕርብ ተስማዕሚዖም።
እቶም ኣባይቲ ኣብ ውሽጢ 30 ዓመት ተኸፊሉ ብዝዛዘም 1 ሚኢታዊ ትሑት ወለድ ብዘለዎ ልቓሕ ንተጠቀምቲ ከምዝወሃቡ እውን ተገሊፁ።
ኣብ ዝቕፅሉ ሓሙሽተ ዓማውቲ ድማ ተወሳኽቲ 500 ኣባይቲ ክህነፁ ኢዮም።

ብሃይለኢየሱስ ስዩም

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment