ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝካየድ ኢፍጣር ጎዳና ዝዕፀዉ መገዲታት ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፆም ረመዳን ምኽንያት ብምግረባር ፅባሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ኢፍጣር ጎደና ብሰላም ንኽካየድ ኣድላዪ ምድላው ከምዝዛዘመ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡

“ኢፍጣርና ንወገንና” ብዝብል መሪሕ ቃል ፅባሕ ቀዳም 30 መጋቢት 2015 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ባምቢስ ብመስቀል ኣደባባይ ክሳብ ሜክሲኮ ኣደባባይ ኣብ ዘሎ ጎደና መርሃ ግብሪ ኢፍጣር ክካየድ ኢዩ፡፡

እቲ ፕሮግራም ኣብ ዝካየደሉ እዋን ምጭንናቕ ትራፊክ ከየጋጥም ድማ፡-

* ካብ ቅዱስ ኡራኤል ናብ መስቀል ኣደባባይ

* ካብ ኦሎምፒያ ናብ መስቀል አደባባይ

* ካብ ኣራተኛ ክፍለ ጦር ናብ መስቀል ኣደባባይ

* ካብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ልደታ፣ ብለገሃር ናብ መስቀል ኣደባባይ

* ካብ ጎማ ቁጠባ ናብ መስቀል ኣደባባይ

* ካብ ኣራት ኪሎ ናብ መስቀል ኣደባባይ

* ካብ ካዛንቺስ ናብ መስቀል ኣደባባይ

* ካብ ጥቁር ኣንበሳ ሼል ናብ መስቀል ኣደባባይ

* ካብ ቴዎድሮስ ኣደባባይ ናብ መስቀል ኣደባባይ

* ካብ ንግድ ማተሚያ ቤት ናብ መስቀል ኣደባባይ

* ካብ ሜትሪዎሎጂ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስዱ መገዲታት ካብ ቀትሪ ሰዓት 6:00 ክሳብ ምሸት ሰዓት 2:00 ከምዝዕፀዉ ተሓቢሩ፡፡

ብምዃኑ ኣሽከርከርቲ ካልኦት ኣማራፂ መገዲታት ንኽጥቀሙ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment