ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለዩ ገበናት ዝተጠረጠሩ ልዕሊ 18 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተፈላለዩ ሹቓት ንግዲን መንበሪ ገዛ ውልቀ ሰባትን ብዝተገበረ ብርበራ ብዘይሕጋዊ መገዲ ተኸዚኖም ዝተረኸቡ ላፕቶፓት፣ ሞባይል ስልኪታትነ መለዋወጢ ኣቑሑት ምስ 18 ተጠርጠርቲ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ብምርመራ እናፃረየ ከምዝርከብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ክፍለ ከተማ ወረዳ 1 ን ወረዳ 8 ከባቢታት ሶማሌ ተራን ኣሜሪካ ግቢን ኣብ ዝርከቡ ሹቓት ንግዲን መንበሪ ገዛውቲን መምርሒ ፖሊስ እቲ ከተማ ብዝገበሮ መፅናዕቲ ከምኡ እውን ካብ ሕብረተሰብ ዝተረኸበ ሓበሬታን ብዝተፈላለዩ ሕጋዊ ኣግባባትን ብዝተገበረ ብርበራ ኢዮም እቶም ንብረታት ክርከቡ ዝኸኣሉ፡፡

ፖሊስ ኣቐዲሙ ብዝኣከቦ ሓበሬታን መሰረት ብምግባር ጉጅለ ምርመራ ብምጥያሽ ብዝተገበረ ብርበራ 100 ላፕቶፓት ኮምፒዩተርን 13 ሞባይል ስልኪታትን ተታሒዞም ተባሂሉ፡፡

ካበዚ ብተወሳኺ 1 ሞተር ሳይክል ሓዊሱ ብዙሓት ናይ መኪና ስፖኪዮታት፣ ፍሬቻ፣ ቴፕ መኪናን መለዋወጢ ኣቕሑት ተሸከርከርቲን ከምዝተትሓዙ ኣብ መምርሒ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምክትል ዳይሬክተር ምርመራ ገበንን ሓደጋ ትራፊክን ኮማንደር ጌታነህ በቀለ ገሊፆም፡፡

18 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ እናተገበረ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ተሰሪቖም ናብቲ ክፍለ ከተማ ዝመፅኡ ናይ ውልቀ ሰባት ንብረት ንምምላስን ተቐበልቲ ብሕጊ ንኽቕፀዑ ንምግባርን ምስ ሕብረተሰብ ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ምሕባሮም ካብ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment