ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተወደበ መገዲ ወራር መሬት ንምፍጻም እናሰናድኡ ዝነበሩ ውልቀሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዚያ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ስልክ ላፍቶ ብዝተወደበ መገዲ ወራር መሬት ንምፍጻም እናሰናድኡ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ብፖሊስ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

እቶም ውልቀ ሰባት፥ ኣብቲ ክፍለ ከተማ ምምሕዳር ወረዳ 9 ቀጠና 3 ድሕሪ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምህረት (ኣፓርታማ ኣካባቢ) ብትተወደበ መገዲ ብሓለዋ ከባቢ ንሓምለዋይ ልምዓት ሕጋዊ ካርታ ብዝተውሃቦ ቦታ ብዝተፈላለየ እዋን ብምእታውን ደኒ ብምጭፍጫፍን ዘይሕጋዊ ወራረ መሬት ንምፍፃም እንትሰናድኡ ኢዩ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ዘለዉ።

ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ሰዓት 12 ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ 97 ዝበፅሑ ውልቀሰባት (20 ደቂ ኣንስትዮን 77 ደቂ ተባዕትዮን) ካብ ክፍለ ከተማ ቦሌ ወረዳ 12፣ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቱ ወረዳ 5 ነ4 6ን ዝመፅ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡

ኣብቲ ዘይሕጋዊ ወራር መሬት 150 ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ኢዶም ዘለዎም እንትኾኑ፥ 10 ውልቀ ሰባት ንጊሆ ኣብ ዝተኻየደ ኦፕሬሽን ከምዘምለጡ ተሓቢሩ፡፡

እቲ ጉዳይ እቶም ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ብፖሊስን በዝምልከቶም ኣካላትን ተወሳኺ ናይ ምፅራይ ስራሕቲ እናተኻየደ ከምዝኾነ ካብ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ክፍለ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment