ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ክልተ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ክልተ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም።

በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋን ድሕንነትን ኣይተ ንጋቱ ማሞ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ እቲ ባርዕ ሓዊ ትማሊ ኢዩ ኣጋጢሙ።

እቲ ባርዕ ኣብ ክልተ ቦታታት ዘጋጠመ እንትኸውን፥ ሓደ ኣብ ወረዳ 5 ኮልፌ ቀራኒዮ ሰዓት 11ን 50ን ኣብ መንበሪ ገዛ ዘጋጠመ ኢዩ ኢሎም።

100 ሺሕ ብር ዝግመት ንብረት ድማ ዓኒዩ ኢዩ።

ተሽከርከርቲን ሰራሕተኛታትን እቲ ኮሚሽን ብዝገበርዎ ፃዕሪ ኣስታት 200 ሺሕ ብር ምድሓን ከምዝተኽኣለን ኣብ ህይወት ሰብ ዝበፅሐ ሓደጋ ከምዘየለን ገሊፆም።

እቲ ካልኣይ ሓደጋ ድማ ኣብ ወረዳ 6 ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ሰዓት 8ን 42ን ኣብ ልዕሊ ሹቓት ንግዲን ፔንሲዮንን ዘጋጠመ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

በቲ ሓደጋ ኣብ ፔኒሲዮን ኣልጋ ተኻሪዮም ዝነበሩ 2 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈን 200 ሺሕ ብር ዝግመት ንብረት ከምዝዓነወን ሓቢሮም።

ብዝተገበረ ምርብራብ 3 ሰብ ከምኡውን 10 ሚሊየን ብር ዝግመት ንብረት ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ።

መበገሲ ምኽኒያት እቲ ሓደጋ ይፃረ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ብፌቨን ቢሻው

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment