ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ መዓልቲ ሰዓት 1:30 ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 46 ሰባት ጉድኣት ኣካል ከምዝበፅሖም ኮሚሽን ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
61 ሰባት ኣሳፊራ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ባህርዳር እትጓዓዝ ዝነበረት ታታ ዝዓይነታ ኣብቶብስ መስ ኣይስዙ ቅጥቅጥ ብምልታማ ኢዩ እቲ ሓደጋ ኣጋጢሙ።
ኣብቲ ኮሚሽን ፖሊስ ሓላፊ ሚዲያ ዋና ኢንስፔክተር ማርቆስ ታደሰ፥ በቲ ሓደጋ ክሳብ ሐዚ ሀይወቱ ዝሓለፈ ሰብ የለን ኢሎም።
ጉድኣት ዝበፅሖም ሰባት ድማ ናብ ሆስፒታል ኣቤተን ካልኦት ማእኸላት ሕክምናን ከምዝተወሰዱ ተዛሪቦም።
መበገሲ እቲ ሓደጋ ይፃረ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ንምግናሕ ተሽከርከርቲ ኣፀጋሚ ኣብ ዝኾኑ መገዲታት ልዕሊ ጥንቃቐ ክግበር ከምዘለዎ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም ከብል ኢቢሲ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።