ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብበዝሒ ግልጋሎትን ጉድለት ኣጠቓቕማን ጉድኣት ዝበፅሖም ድልድላት ፅገና ይግበረሎም ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)በዓል መዚ መገዲታት ኣዲስ ኣበባ ብበዝሒ ግልጋሎትን ጉድለት ኣጠቓቕማን ጉድኣት ዝበፅሖም ድልድላት ፅገና እናገበረሎም ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ቤት ዕዮ እቲ በዓ መዚ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ካባቢታት እታ ከተማ ዝርከቡ ድልድላትን ሓገዝቲ ህንፀታትን መጠን ጉድኣቶም ብምፍላይ ስራሕቲ ፅገና እናገበረሎም ይርከብ፡፡

ኣብ ድልድላት ጊዮን ሆቴል፣ ልደታ ፀበል ካባቢ፣ ካብ ሚኒስትር ጥዕና ክሳብ ጨፌ ሜዳ፣ ቤት ትምህርቲ ኣንፎ ኣልፋ፣ ፈጥኖ ደራሽ፣ ኣርሴማ ድልድይ፣ ከባቢ እግዚአብሄር ኣብ፣ ከባቢ ኣምቼ፣ መነን ወረዳ 13ን ከባቢ መነንን ዝነበረ ስራሕቲ ፅገና ከምዝተዛዘመ እውን እቲ በዓል መዚ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝርከቡ ፅገና ዘድሊዮም ድልድላት ዝግበር ስራሕቲ ፅገና ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ገሊፁ፡፡

ሕብረተሰብ፥ ድልድላት ንጉድኣት ካብ ዘቃልዑ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንኽቑጠብ ፃውዒት ምቕራቡ ካብ በዓል መዚ መገዲታት ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment