ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብስራሕቲ ምክልኻል ግዕዝይና ልዕሊ 126 ሚሊየን ብር ሃፍቲ ምድሓን ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ግዕዝይና ንምክልኻል በዝተሰርሐ ስራሕ ልዕሊ 126 ሚሊየን ብር ሃፍቲ ካብ ብኽነት ምድሓን ከምዝተኽኣለ ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ጀማል ረዲ ከምዝበሉዎ÷ ኣብዚ ርብዒ ዓመት ግዕዝይና ንምክልኻል ዘኽእሉ ስራሕቲ ምሃብ ግንዛብ ንዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ተዋሂቦም።

ካብ ሕብረተሰብ ዝመፅኡ ሓበሬታታት ትኽክለኛነቶም ብምፅራይ ጥፍኣተኛታት ተሓተትቲ ንኽኾኑ እናተሰርሐ ከምዝፀንሐ ተሓቢሩ።

“ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብዚ ርብዒ ዓመት ብዝተወገኑ ህፁፃት ስራሕቲ ምክልኻል ግዕዝይና ልዕሊ 126 ሚሊየን ብር ሃፍቲ መንግስቲን ህዝቢን ካብ ብኽነት ምድሓን ተኻኢሉ” ኢሎም።

ምስ ገበን ግዕዝይና ተተሓሒዙ ድማ ልዕሊ 16 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ከምዝተገበረ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment