ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ክልተ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ድሮን ዕለተ ትንሳኤን ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ክልተ ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ክብል ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ም/ ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ወዲ 30 ዓመት መንእሰይ ህይወቱ ስኢኑ።

ኣብ ዕለተ እቲ በዓል ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ኣብ ልዕሊ ፒክኣፕ ተፃዒኑ ዝጓዓዝ ዝነበረ መንእሰይ እታ ፒክኣፕ ብዘጋጠማ ናይ ምግልባጥ ሓደጋ ከምዝሞተ ሓቢሮም።

ብተመሳሳሊ ኣብ እዋን እቲ በዓል ብዝተገበረ ምርመራ ትራፊክ፥ 51 ገናሕቲ መኪና ልዕሊ ዓቐን ኣልኮል ብምስታይ መኪና እንትገንሑ ስጉምቲ ከምዝተወሰደሎም ተገሊፁ።

ብታሪክ ኣዱኛ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment