ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሰንኪ ሓደጋ ትራፊክ 3 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሎሚ ንጎሆ ሰዓት 11 ፡ 14  ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ወረዳ 14 ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ሰለስተ ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ተገሊፁ።

ካልኦት ኣርባዕተ ሰባት ድማ ከቢድ ጉድኣት ኣካል ከምዘጋጠሞም ተሓቢሩ።

እቲ ሓደጋ፥ ሸውዓተ ሰባት ኣሳፊሩ እንትጓዓዝ ዝነበረ ደብል ፒክ ኣፕ ተሽከርካሪ ደው ምስ ዝበለ ከቢድ ከቢድ ተሽከርካሪ ብምልታሙ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ኮሚሽን ስግኣት ሓደጋን ኣመራርሓ ስራሕን ኣፍሊጡ።

 

Comments (0)
Add Comment