ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሄር መሰረት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ ይካየድ ኣሎ ዝብል ሓበሬታ መሰረት ዘይብሉ ውንጀላ ኢዩ – ፖሊስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብሄር መሰረት መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ እናተኻየደ ከምዝኾነ ብምምሳል ዝጋዋሕ ሓበሬታ መሰረት ዘይብሉ ውንጀላ ከምዝኾነ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ዳይሬክተር ኮማንደር ፋሲካ ፋንታ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብታ ከተማ ሓበሬታ መሰረት ተገይሩ ብዝተኻየደ ፍተሻ ብዙሓት ናይ ሕሶት ሰነዳትን ጦር መሳርሒታትን ተታሒዞም ኢዮም።

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እውን ጦር መሳርሒታትን ተተኮስቲ ጠያይቲን ኣብ ውሽጢ መእከቢ ርስሓት ተደርቢዮም እናተረኸቡ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ዕላማ ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ንምፍፃም ንባዕሎም ቀይሮም እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ምስ ዝሓዙዎም መራኸቢ ሬድዮን ናይ ሳትላይት ስልኪታትን ብሓበሬታ ሕብረተሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ ድማ እቶም ጉጅለ ግብረ ራዕዳውያን ሰላም ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምህዋኽ ሒዞም ዎ ዝነበሩ ትልሚ ምፍሻል ከምዝተኽኣለ እቶም ዳይሬክተር ተዛሪቦም፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ህዝቢ ንምርዓድ ዝጥቀመሉ ቀንዲ ሜላ ናይ ሕሶት ሓበሬታ ምግዋሕ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ዳይሬክተር፥ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብሄር መሰረት ዝገበረ ማእሰርቲ እናተኻየደ ብምምሳል ናይ ሕሶት ሓበሬታ እናጋወሐ ይርከብ ኢሎም፡፡

ፖሊስ ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ኣካይዳ ዕላማ እቶም ግብረ ራዕዳውያን ንምፍፃም ከምዝንቀሳቐሱ ዝጥርጠሩ ሰባት ፈሊዩ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዕልን ብምፅራሕ፥ ብመንፅር እዚ እቲ ውንጀላ መሰረት ዘይብሉ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ሕብረተሰብ ዘይሕጋውያን ኣብ ምቅላዕ እናገበሮ ዝርከብ ተሳትፎ ብምንኣድ ነዚ ተግባር ኣጠናኺ ንኽቕፅል ፃውዒት ምቕራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment