ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 1 ሺሕ 443 በዓል ኢድ ኣልፈጥር ብሰላም ንኽዛዘም ኣድላዪ ምድላው ዛዚሙ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ፀፅታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ።
በቢዓመቱ ንዝኽበር በዓል ዒድ ዓልፈጥር እዋናዊ ኩነታት ፀፅታ ዘገናዘበ ትልሚ ብምውጻእን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ብምውዳድ እቲ በዓል ብሰላም ንኽኽበር እቲ ሓበራዊ ግብረ ሓይሊ ምድላው ዛዚሙ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡
ናይዚ ዓመት በዓል ዒድ ኣልፈጥር ብመንፅር እዋናዊ ኩነታት ሃገር ፍሉይ ምድላው ካብ ምግባሩ ብተወቀሳኺ ምስ ኣቦታት እቲ እምነትን ወለንታውያን መናእሰይን ብምትሕብባር ኣብ ኣከባብራ እቲ በዓል ዘድሃበ ግቡእ ልዝብ ብምክያድ ምድላው ከምዝተገበረ ገሊፁ፡፡
ዕዱማት እቲ በዓል ኣብ ከባቢኦም እቲ በዓል እንተኽብሩ ይኹን ናብ ዒድ ሶላት እንትመፅኡ ከምወትሩ እንግዶት ፖሊስን ትእዛዝን ብምኽባር ተሓባበርቲ ንኽኾኑ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ፡፡
ዘጠራጥሩ ነገራት እንተጋጥሙ ብቁፅሪ ስልኪ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ 011-1 11-01-11 ወይ እውን ብናፃ መስመር ስልኪ 991 ሓበሬታ ምሃብ ከምዝከኣል ፖሊስ ኣፍሊጡ፡፡
ብተመሳሳሊ ዜና ፅባሕ 24 ሚያዚያ 2014 ዓ.ም ሶላት ዒድ ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ንተሸከርከርቲ ዕፁዋት ዝኾኑ መገዲታት ዕላዊ ተገይሮም፡፡
ብመሰረት እዚ፡-
– ካብ ቦሌ መገዲ ኣየር ብሚሊኒየም ኣዳራሽ ናብ ስታዲየም ዝወስድ መገዲ ደንበል ሲቲ ሴንተር ኦሎምፒያ ኣደባባይ ኣከባቢ
– ካብ መገናኛ ፣ ብሃያ ሁለት ናብ መስቀል ኣደባባይ ከምኡ እውን ካብ ቦሌ መድሃኔኣለም፣ ብኣትላስ ሆቴል ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ኡራኤል ቤተ-ክርስቲያን ኣካባቢ
– ካብ ኣራት ኪሎ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ባሻ ወልዴ ችሎት ወይ እውን ፓርላማ መብራት
– ካብ ፒያሳ ኣካባቢ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ቸርችር ጎዳና ቴዎድሮስ ኣደባባይ
– ካብ ተክለ ሃይማኖት ብሜትሮሎጂ ናብ ስታዲየም ዝወስድ መንገድ ሜትሮሎጂ መስሪያ ቤት ኣካባቢ
– ካብ ተክለሃይማኖት፣ ብጥቁር ኣንበሳ ሆስፒታል ዝወስድ መገዲ ጥቁር ኣንበሳ ናይ ድሕሪት በሪ ኣካባቢ
– ካብ ሲኒማ ራስ ብጎላ ሚካኤል ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መንገድ ጎላ ሚካኤል መስቀለኛ
– ካብ ጌጃ ሰፈር ፣ ጤና ጥበቃ፣ ብሄራዊ ቲያትር ዝወስድ መንገድ ጎማ ቁጠባ
– ካብ ባሻ ወልዴ ችሎት ብኦርማ ጋራዥ ናብ ፍል ውኋ መስጊድ ዝወስድ መንገድ ንግድ ማተሚያ ቤት
– ካብ ጎፋ ብቅዱስ ቂርቆስ ቤ/ክ ናብ ለገሃር ሓዱሽ መገዲ ዝወስድ መንገድ ቅዱስ ቂርቆስ ቤ/ክ ኣብ መስቀለኛ ቦታ
– ካብ ጦር ሃይሎች ፣ ልደታ ፣ ፖሊስ ሆስፒታል ሜክሲኮ ኣደባባይ
– ካብ ሳሪስ ብጎተራ ናብ መስቀል ኣደባባይ ነበር ራብዓይ ክፍለ ጦር ኣካባቢ ዘለዉ መገዲታት ዝዕፀዉ እንትኾኑ፥ ይሕለፍ ዘይብሎም ተሸከርከርቲ ካብ ለይቲ ሰዓት ዓሰርተ ጀሚሩ እቲ ስነ-ስርዓት ክሳብ ዝዛዘም ከምዝዕፀዉ ተገሊፁ።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።