ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስርዓተ ትምህርቲ ብዝሃ ቋንቋ ንምትግባር ዝግበር ዘሎ መፅናዕቲ ዝሕግዝ መድረኽ ምሁራን መተኣኻኸቢ እታዎት ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስርዓተ ትምህርቲ ብዝሃ ቋንቋ ንምትግባር ዝግበር ዘሎ መፅናዕቲ ዝሕግዝ መድረኽ ምሁራን መተኣኻኸቢ እታዎት ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ካብ ወርሒ ሓምለ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ብዩንቨርስቲ ኮተቤ ክካየድ ዝፀንሐ ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ፥ ኣብ ስርዓተ ተምህርቲ ሓደ ናይ ውሽጢ ዓዲን ሓደ ናይ ወፃኢን ቋንቋ ንምክታት ዝተገበረ ከምዝኾነ  ፕሬዝዳንት እቲ ዩንቨርስቲ ዶክተር ብርሃነ መስቀል ጠና ገሊፆም።

ብሰረት እዚ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ እታዎት ዝኸውን ሓሳባት ዝተወሰደሉ እንትኸውን፥ ሎሚ ድማ ካብ ምሁራን ሓሳባት ንምውሳድ ዘኽእል ዘተ ይካየድ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ምሁራን ኣብ ፍልጠት ዝተደረኸን ካብ ስምዒት ዝፀረየን ርእይቶ ብምሃብ ሓላፍነቶም ነክዋፅኡ ኣብቲ መድረኽ ምግላፁ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment