ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስሩዕ መለለዪ መንነት ንሰራሕተኛታቶም ዝህቡ ትካላት ካብ ተግባሮም ንኽቀቡ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 16 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ስሩዕ መለለዪ መንነት ንሰራሕተኛታቶም ዝህቡ ሓደ ሓደ ውልቃዊን መንግስታዊን ትካላት ካብ ተግባሮም ክቀቡ ይግባእ ተባሂሉ።

ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ቀነኣ ያደታ ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ሰላምን ፀፅታን ኣድሂቦም ንጋዜጠኛታት መግለፂ ሂቦም።

ኣብ መግለፂኦም ድማ ሓደ ሓደ ናይ ውልቀን መንግስቲን ትካላት ንሰራሐተኛታቶም ስሩዕ መለለዪ መንነት እናሃቡ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም።

እዚ ድማ ኣብ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ዘይፍቀድ ከምዝኾነ ኢዮም እቶም ሓላፊ ዝሓበሩ።

ዝኾነ ይኹ መለለዪ መንነት ዘይብሎም ሰባት ብግዚያዊነት መለለዪ ወረቐት ንኽረኽቡ ጥራሕ ከምዝግበር እውን ገሊፆም።

ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ስግኣት ናፃ ንምግባር ሓይሊ ፀፅታ ምስ ሕብረተሰብ ብዝተሰርሐ ስራሕ ብዙሓት መሳርሒታት ኲናት፣ ናይ ሕሶት መለለዪ መንነት፣ ደምቢ ክዳን ሰራዊት ምክልኻልን ፍሉይ ሓይሊ ትግራይን ከምኡ እውን ዝተፈላለዩ ናይ ወፃ ሃገራት ገንዘባትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ኣብሪሆም።

ሕብረተሰብ ሕዚ እውን ምስ ሓይሊ ፀፅታ ብምዃን ከባቢኦም ንኅልዉ ኣተሓሳሲቦም።

ብትእግስት ስለሺ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment