ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሰራሕተኛታት ወዲቖም ህይወቶም ምሕላፉ ስዒቡ ፍቓድ ምህናፅ እቲ ህንፃ ተኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ትማሊ ኣብ ከይዲ ህንፀት ካብ ዝነበረ ህንፃ ሰለስተ ሰራሕተኛታት ወዲቖም ህይወቶም ምሕላፉ ስዒቡ ሎሚ ፍቓድ ህንፀት እቲ ህንፃ ተኣጊዱ፡፡

ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ወረዳ 5 ኣብ ከይዲ ህንፀት ካብ ዝነበረ ህንፃ ሰልስተ ሰራሕተኛታት ካብ ሓምሻይ ደብሪ እንትወርዱ ገመድ ጋሪ መፅዐኒ ኣቑሑት ተበቲኹ ብምውዳቖም ህይወቶም ምሕላፉ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ ድማ በዓል መዚ ቁፅፅር ፍቓድ ህንፀት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ፍቓድ ህንፀት እቲ ህንፃ ኣጊዱዎ፡፡

ወናኒ እቲ ህንፃ ክሳብ ራብዓይ ደብሪ መጀመሪ ፍቓድ ዝተውሃቦም ይኹን እምበር፥ ህንፀት ድሕሪ ምጅማሮም ክሳብ ሓምሻይ ደብሪ ክቕፅል ብምግባር ጥንቃቐ ብዝጎደሎ መልክዑ ህንፀት ምስረሖም ዳይሬክተር ቁፅፅር ህንፀት እቲ በዓል መዚ ከማል ጀማል ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ ህንፃሰራሕተኛታት እንትወፅኡን እንትወርዱን መከላኸሊ ድሕንነትን መውረዲን መውፅኢን ኣቕሑት ብኣረጊት ሽቦ ዝተኣሰረ ብምዃኑ ምኽንያትን እቶም ሰራሕተኛታት ካብ ሓምሻይ ደብሪ እንትወርዱ ተበቲኹ ብምውዳቖም ህይቶም ከምዝሓለፈ ገሊፆም፡፡

ቅድም ክብል ንወናኒ እቲ ህንፃ ብሰብ ሞያ ቁፅፅር ኣቢሎም ንኽስተኻኸሉ ይነገሮም እምበር እዚ ብዘይምትግባሮም ህይወት ሰባት ከምዝሓለፈ ኣይተ ከማል ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም፡፡

ኣብታ ከተማ ኣብ ተመሳሳሊ ተግባር ዝርከቡ ህንፃታት ፍቓድ ህንፀት ብምእጋድን ብምስራዝን ስጉምቲ ከምዝውሰድ እውን ኣተሓሳሲቦም፡፡

ብታሪክ ኣዱኛ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment