ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ምገባ ንምጥያሽ ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቢሮ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣዲስ ኣበባን ኢንቨስትመንት ግሩፕ ሚድሮክን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሻውዓይ ማእኸል ምገባ ንምጥያሽ ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

ሓላፊት ቢሮ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ሃና የሺንጉስ፥ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ሚድሮክን ምስ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ማሕበር ባንኪ ዳሽን ብምትሕብባር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሻውዓይ ማእኸል ምገባ ንምጥያሽ ምድላው ተዛዚሙ ናብ ተግባር ከምዝተኣተወ ተዛሪቦም፡፡

እተን ሓላፊት ከምዝበለኦ፥ እቲ ማእኸል ንምጥያሽ ዝውዕል ሰነድ ስምምዕነት 40 ሚሊየን ብር ምስቲ ትካል ተፈሪሙ፡፡

ኣብ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ሚድሮክ ዳይሬክተር ማሕበራዊ ሓላፍነት ኮርፖሬትን ኮሙዩኒኬሽን አምባሳደር ኣሊ ሱሌማን ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ እናተኣናገደቶም ትርከብ ዝተፈላለዩ ፀገማት ብፍላይ ኣብታ ከተማ ሓገዝ ዝደሊ ሰብ ቁፅሩ ንኽውስኽ ከምዝገበሮ ተዛሪቦም፡፡

ነዚ ድማ ኢንቨስትመንት ግሩፕ ሚድሮክ ቅድሚ ሕዚ ተስፋ ብርሃን ኣሞዲ ዝተብሃለ ማእኸል ምገባ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ምስ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ብምትሕብባር ከምዘጣየሸ ኣፍሊጦም፡፡

ሕዚ እውን ቁፅሪ ክልተ ተስፋ ብርሃን ኣሞዲ ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ብምጥያሽ ናይ ምገባ ስርሑ ብምስፍሕፋሕ ማሕበራዊ ሓላፍነቱ ንምውፃእ ከምዝወሰነ ምግላፆም ካብቲ ቢሮ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment