ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መዓልቲ ጅግንነት ኣብ ቤት ፅፈት ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰብ መዚን ጦር መኮንናትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ብድሙቕ ይኽበር ኣሎ።
መዓልቲ ጅግንነት ምኽባር ዘድለየሉ ምኽንያት በቢዘመኑ ንኢትዮጵያ ካብ ፀላእቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዘድሕኑዋ ጀጋኑ ሓርበኛታት ንምሕሳብን ንምዝካርን ኢዩ ተባሂሉ፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ሰላምን ክብሪን ኢትዮጵያ ንምሕላው ናይ ህይወት መስወእትነት ዝኸፈሉን እናኸፈሉ ንዝርከቡን ኣባላት ሰራዊት ምክልኻልን ካልኦት ሓይሊታት ፀፅታን ከምኡ እውን ኣብ እዋን ለበዳ ቫይረስኮሮና ብርቱዕ ተጋድሎ ንዝገበሩ ሓይምን ሰብ ሞያ ጥዕናን ስድረኦምን መርሃ ግብሪ ምስጋናን ኣፍልጦን ክካየድ ኢዩ።
ኣብቲ ምድላው ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሚኒስትር ጉዳያት ወፃን ኣይተ ደመቀ መኮንን፣ ሚኒስትር ምክልኻል ዶ/ር ቀነዓ ያደታ፣ ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወ/ሮ ኣዳነች ኣቤቤ፣ ጦር መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል ከምኡ እውን ጀጋኑ ሓርበኛታትን ካልኦት ኣካላትን ከምዝተረኸቡ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት እቲ ምምሕዳር ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።