ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሕጋዊ ውዕል ምዝገባ ኣካራይን ተኻራይን 1 ሰነ 2016 ዓ.ም ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሕጋዊ ውዕል ምዝገባ ኣካራይን ተኻራይን 1 ሰነ 2016 ዓ.ም ከምዝጅመር ቢሮ ምምሕዳርን ልምዓትን ኣባይቲ ኣፍሊጡ።

ኣዋጅ ቁፅፅርን ምምሕዳርን ክራይ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም ክራይ ገዛ ንምፍታሕ ከምኡወን ፈትሓዊ ዘይኮነ ወሰኽ ዋጋ ኣብ ናብራ ሕብረተሰብን ሓፈሻዊ ሃገራዊ ኢኮኖሚን ዝፈጥሮ ፅዕንቶ ኣብ ግምት ብምእታው ተሰናዲኡምፅዳቑ ይፍለጥ።

ቢሮ ምምሕዳርን ልምዓትን ኣባይቲ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣድላይነትን ኣተገባብራን እቲ ኣዋጅ ዝጠመተ መድረኽ ዘተ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣሳሊጡ።

ሓላፊት እቲ ቢሮ ቅድስት ወልደጊዮርጊስ፥ እቲ ኣዋጅ ብመምርሒ ብምድጋፍ ናብ ስራሕ ንምእታው ዘድሊ ምድላው ይዛዘም ከምዘሎ ተዛሪበን።

ብመሰረት እዚ ካብ 1 ሰነ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣካረይቲን ተኻረይቲን ሕጋዊ ሰነዳት ሒዞም ብምቕራብ ምዝገባ ምግባር ከምዝኽእሉ ሓቢረን።

ነቲ ምዝገባ ዘድሊ ሓይሊ ሰበን መሰረተ ልምዓትን ብምውዳብ ኣድላዩ ቅድመ ምድላው ከምዝተገበረ እውን ገሊፀን።

ኣካረይቲ ሕጋዊ ውዕሊ ምዝገባ ንምግባር ናብ ኣብያተ ፅሕፈት ወረዳ ኣብ ዝኸድሉ እዋን እቲ ገዛ ናይ ባዕሎም ምዃኑ ወይ ሕጋዊ ተወከልቲ ከምዝኾኑ ዝገልፅ ሰነድ ብምሓዝ ምቕራብ ከምዝግባእ ገሊፀን።

ተኻረይቲ ድማ፥ ማንነቶም ዝገልፅ መለለዪ መንነት ወይ ካሊእ ሕጋዊ መንነቶም ዘረጋገፅ ሰነድ ብምሓዝ ምቕራብ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ።

ኣብ ሰዓት ስራሕ ምምዝጋብ ዘይኽእሉ ኣካረይቲን ተኻረይቲን ቀዳምን ሰንበትን ከምኡውን ኣብ ዕለተ ስራሕ ካብ ሰዓት 12 ንደሓር ሕጋዊ ምዝገባ ውዕል ምፍፃም ከምዝኽእሉ መግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment