ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓላፊ ማኔጅመንት ልምዓት መሬት ፍርቂ ሚሊየን ብር ጉቦ እንትቕበል ኢድ ብኢድ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ የካ ወረዳ 11 ኣገልግሎት መሬት ከፈፅም ብምባል ካብ ሓደ በዓል ጉዳይ 500 ሺሕ ብር ብላዕ ዝተቐበለ ሓላፊ ማኔጅመንት ልምዓት መሬት ኣይተ ብርሃን ጌራ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ውዒሉ።

ኣዛዚ መምርሒ ፖሊስ ኮማንደር ደመና ተስፋየ ንኮሙዩኒኬሽን ክፍለ ከተማ የካ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ውልቀ ሰብ ጉዳይ ትሕዝቶ ከፈፅም ኢየ ብምባል ካብ ውልቀ ተገልጋሊ 500 ሺሕ ብር ቼክ እንትቕበል ምስ ሓደ ተሓባባሪኡ ኢድ ብኢድ ተታሒዙ ምርመራ እናተገበረሉ ይርከብ።

እቲ ውልቀ ሰብ ኢድ ብኢድ እንትቕበል ዝተትሓዘ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment