ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽቶ ፅንፈኛ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ኣርባዕተ ተጠርጠርቲ ብፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ብዝተገበረሎም ጥንኩር ክትትል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።
ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ክውዕሉ ዝኸኣሉ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተግባር ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ካብ ፅንፈኛ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ዝወሰዱዎ ልኡኽቶ ንምዕዋት 120 ጠያይ ክላሽንኮቭን ኤፍ ዋን ቦንቢን ብመሓዝ እንትንቀሳቐሱ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ኣባላት ፖሊስ ብዝገበሩዎ ጥንኩር ክትትል 4 ታሕሳስ 2017 ዓ.ም ተጠርጠርቲ ኢድ ንኢድ ተታሒዞም ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝርከብ እቲ ጉጅለ ምርመራ ገሊፁ።
ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ፤ ሕብረተሰብ ክሳብ ሕዚ እናገበሮ ንዝርከብ ተሳትፎ ምስጋና ብምቕራብ ተመሳሳሊ ተግባር ገበን እንትዕዘብ መተግበሪ ተሳትፎ ዜጋታት (EFPApp) ብምጥቃም ወይ እውን ብናፃ መስመር ስልኪ 991 ብምድዋል ብቕልጡፍ ሓበሬታ ብመሃብ ከምኡ እውን ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ኣካላት ፀፅታን ድሕንነትን ብኣካል ብምብፃሕ ብፅሒቱ ንኽዋፃእ ፃውዒት ኣቕሪቡ።