ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተፈላለዩ ከባቢታት እዛ ሃገርን መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ተዳሊዮም ዝነበሩ 34 ኣባላት ኣልሸባብ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ክልላት ኦሮሞን ሶማሌን መጥቃዕቲ ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ተዳሊዮም ዝነበሩ 34 ኣባላት ኣልሸባብ ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም።

ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ደሕንነትን ምስ ኣካላት ፀፅታ ክልል ሶማሌን ኦሮሞን ብምትሕብባር ብዝተገበረ ኦፕሬሽን እቶም ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝተትሓዙ ተገሊፁ።

ብሄራዊ ኣገልግሎት መረዳእታን ደሕንነትን ንፋና ብሮድ ካስቲን ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ እቶም ኣባላት ግብረ ራዕዲ ሃይማኖታዊ በዓላት ዝበዝሑሉ እዋን ተፀቢዮም ተግባር ገብረ ራዕዲ ንምፍፃም ምድላው ይገብሩ ከምዝነበሩን በዝተገበረ ክትትልን መፅናዕቲን ከምዝተፈለጠ ገሊፁ።

መሓመድ ጉሃድ ሙርሰልን ሽኽ መሓመድ ሑሴን ዑስማን ዝተብሃሉ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ኣልሸባብ ዋህዮ ጉዳያት ምልመላን ሎጂስቲክስን ዘተሓባብሩ ተጠርጠርቲ ነቲ ግብረ ራዕዲ ዝሕግዙ ውልቀሰባት ከምዘኾኑን ናይቲ ግብረ ራዕዲ ምንቅስቓስ መሪሕ ተዋሳእቲ ከምዝኾኑን ኣብቲ መግለፂ ተሓቢሩ።

እቶም ተጠርጠርቲ ንተግባር ገብረ ራዕዲ ካብ መነጎ ዝመልመልዎም ሰባት ሚካል ኣብዱረህማን ኢብራሂም ብዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ሽም ዝተፈላለዩ ሒሳባት ኣካውነት ብምኽፋት ኣብ ኣሜሪካ ሚኒሶታ፣ ሶማሌ ላንድን ኬኒያን መስ ዝርከቡ ወኪላት ጊጅለ ራዕዲ ልዑል ገንዘብ ኣታዊ እንትግበረሎም ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ተግባር ግብረ ራዕዲ ንምፍፃም ዝተዳለዉ፥ ክላሽ ጠበንጃታት፣ ናይ መትረየስ ሰንሰለታት፣ ናይ ሞርታር ቅንቡላ መትሓዚ ሻንጣ፣ጠያይቲን ካልኦት ኣፅዋራተን ከምኡውን ሰነዳትን ደፍተራት ባንኪን ካብቶም ተጠርጠርቲ መንበሪ ኣባይቲ ከመዝተትሓዘ ተገሊፁ።

እቲ ኦፕሬሽን ዕዉት ንክኸውን ሓገዝ ንዝገበሩ ሓይሊታት ፀፅታ ክልል ኦሮሚያን ሶማሌን ከምኡ ውን ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment