ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዝቕፅል ሰኑይ 10 ሓምለ ኣብ ሓንቲ ፀሓይ ልዕሊ 3 ሚሊየን ፈልሲታት ንምትካል ምድላው ምዝዛሙ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበኣ ኣፍሊጡ፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ÷ ሰራሕተኛታት መንግስታዊን መንግስታዊ ዘይኮኑን ትካላት፣ ኣቦታ ሃይማኖት፣ መናእሰይ፣ ዝተፈላለዩ ውዳበታት፣ ቤተሰብ ስፖርት፣ ኣርቲስታ፣ ውዳበ ፀፅታን ነበርቲ እታ ከተማን ዘሳተፈ ምንቅስቓስ ንምፍጣር እናተሰርሐ ይርከብ፡፡
ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ ሓላፊ ቢሮ ፅባቐ ከተማን ሓምለዋይ ልምዓትን ጀማሉ ጀንበሩ (ዶ/ር) ከምዝበሉዎ÷ እቲ ተኸላ ፈልሲ ኣብ ኩሎም ከባታ እታ ከተማ ክሳለጥ ኢዩ፡፡
ብፍሉይ ኩነታት ድማ በቢወረድኡ ንሓምለዋይ ልምዓት ተፈልዮም ኣብ ዝተቐመጡ ቦታታት፣ ኣብ መፋለዪ መገዲ ንምትካል ምቹዋት ክኾኑ ኢዮም ተባሂሎም ኣብ ዝተፈለዩ ከባቢታ ተኸላ ከምዝካየድ ኣብሪሆም፡፡
ብዮሃንስ ደርበው
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com