ኣብ ኣዲሰ ኣበባ በዓል ጥምቀት ኣብ ጃንሜዳን ሓዊሱ ኣብ 83 ቦታታት ክኽበር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝኽበር በዓል ጥምቀት ጃንሜዳን ሓዊሱ ኣብ 83 ቦታታት ከምዝኽበር ሃገረ ስብከት ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

ሊቀ ጳጳስ እቲ ሃገረ ስብከት ብፁእ ኣቡነ ሄኖክ ንተኸተልቲ እቲ እምነት ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም÷ እቲ በዓል ሃይማኖታዊ ስርዓቱ ብዝሓለወ መልክዑ ንኽኽበር እኹል ምድላው ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡

ብመሰረት እዚ ምስ ኣካላት ፀፅታ ብምውዳድ ከምዝተሰርሐ ኣብሪሆም፡፡

ኣብቲ በዓል ብዙሓት ዕዱማት ኣጋይሽ ከምዝሳተፉ ብምሕባር÷ እቲ በዓል ንኽዛዘም ሕብረተሰብ ትፅቢት ዝግበረሉ ንኽገብር ፀዊዖም፡፡

ኣቢያተ ትምህርቲ ሰንበትን ካልኦት መናእሰይን ከምኡ እውን መንፈሳዊ ማሕበራት÷ እቲ በዓል ብሰላም ንኽዛዘም ምስ ሓይሊታት ፀፅታ ኮይኖም ንኽሰርሑ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ ዕለት እቲ በዓል ክፍጠሩ ዝኽሉ ዝይምርደዳኣት ብልዝብ ምፍታሕ ከምዝግባእ እውን እቶም ሊቀ ጳጳስ ኣገንዚቦም፡፡

ብመሳፍንት እያዩን ቅድስት ኣባተ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment