ኣብ ኣደባባይ መስቀል ዝተኻየደ ህዝባዊ ሰልፊ ብሰላም ተዛዚሙ – ፖሊስ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ኣደባባይ መስቀል ዝተኻየደ ህዝባዊ ሰልፊ ብሰላም ከምዝተዛዘመ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

“ሃገረይ ክሕሉ ኢየ መስዋእትነት ክኸፍል ኢየ” ብዝብል መሪሕ ቃል ህዝቢ ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ደው ምባሉን ግብረ ራዕዳውያን ህወሓትን ሸኔን ብዝገብሩዎ ምንቅስቓስ ጥፍኣት ንምኹናን፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ህዝባዊ ሰልፊ ብሰላም ከምዝተዛዘመ ኢዩ ፖሊስ ኣፍሊጡ ዘሎ።

እቲ መርሃ ግብሪ ብሰላም ንኽኽዝም ነባሪ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብፍላይ ድማ ዕዱማት እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጎኒ ኣካላት ፀፅታ ብምዃን ግቡእ ምትሕብባር ምግባሮም፣ ሕብረተሰብ እውን ጉዳይ ፀፅታ ይምልከተኒ ኢዩ ብዝብል ኣመለኻኽታ ብመሓዝ ንዕዉትነት ስራሕቲ ፀፅታ ብፅሒቱ ከምዝተዋፅአ ፖሊስ ገሊፁ።

ነባሪ እናገበሮ ዝርከብ ሰናይ ምትሕብባር ከምኡ እውን ደኺሚኒ ሰልኪዩኒ እንተይበሉ ሓላፍነቶም እናተዋፅኡ ዝርከቡ መላእ ኣካላት ፀፅታን እቲ ናይሎሚ መዓልቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዘተሓባበሩን ዝመርሑን ኣካላት ኩሎም ብሽም ኣካላት ፀፅታ ኣዲስ ኣበባ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ፀፅታ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምኽባር ኣብ ዝስርሑ ዝተፈላላዩ ተግባራት ሕብረተሰብ እናበርከቶ ዝርከብ ኣስተዋፅኦ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል እውን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment