ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ ኢትዮጵያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ፅዕንቶንምግባር ዝፍትኑ ሓይሊታት ብምኹናን ሰልፊ ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ ኢትዮጵያን፣ ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ፈተውቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ዝወሰዶ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ብምድጋፍ ንማሕበረሰብ ዓለም ብምድንጋር ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ዘይኮነ ፅዕንቶ ንምግባር ዝፍትኑ ሓይሊታት ብምኹናን ኣብ ከተማ ካንቤራ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።

እቶም ሰልፈኛታት፥ መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ሕጊ ንምኽባር ዝወሰዶ ስጉምቲ ዝድግፉን ናይ ሓሶት ሓበሬታ ብምፍናው ሕብረተሰብ ዓለም ንምስሕሓት ዝሰርሑ ኣካላት ከምዝቃወሙን ገሊፆም፡፡

ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ውሽጢ ጉዳይ ሉኣላውነት ኢትዮጵያ ኢደን ከእትዋ ከምዘይብለን ዝገልፁ ጭርሖታት ዘስምዑ እንትኾኑ፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያውያን ምትሕብባርን ሕውነትን ዘጠናኽሩ መልእኽቲታት ከምዝመሓላለፉ ካብ ኤጀንሲ ዳያስፖራ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment