ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ  ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ንመከላከያ ሰራዊት ድጋፍ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣውስትራሊያ ዝርከቡ  ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ንመከላከያ ሰራዊት ድጋፍ ገይሮም።

ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ፌዴሪኢ ፍሉይ መልእኽተኛን በዓል ሙሉእ ስልጣን ኣምባሳደርን ዶክተር ሙክታር ከድር፥ እቲ እዋን ናይ ሕርኛ እዋን ብምዃኑ፣ ናይ ትግራይ ሓረስቶት ብዝተረጋገዐ ኩነታት ናይ ሕርሻ ተግባሮም ንክፍፅሙን ንቕድሚ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ስግኣት ሕፅረት ምግቢ ንምቕራፍን ከምኡውነ  ናይ ሰብዓዊ ድጋፍ ተበፃሒነት ንምጥንኻርነ ናይ ተናፀል ሰብኣዊ ደገፍ ተኹሲ ደው ምባል ከምዝተወሰነ ኣዘኻኺሮም።

ይኹን እንበር ኣሸባሪ ናይ ትህነግ ጉጅለ እቲ ውሳነ ንዝሓሸ ዕላማ ኣብ ከንዲ ምጥቃም ምስ ናት ኢትዮጵያ ታሪኻዊ ፀላእቲ ብምትእስሳር ሓይሉ ኣሰባሲቡ ህፃናት ንጦርነት ብምምልማል ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ሓቢሮም።

በዚ ድማ መከላከያ ሰራዊት ኣብቲ ገበነኛ ጉጅለ ስጉምቲ ብምውሳድ ናይታ ሃገር ህልውና ንምሕላው ኣድላዪ ኩሉ ይፍፅም ከምዘሎ ገሊፆም።

እቶም ተሳተፍቲ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ካብ ኣሸባሪው ህወሃት ጥራሕ ዘይኮነ ብተዘዋዋሪ መገዲ ታሪካዊ ፀላእታ ዕረፍቲ ዝኸልኡ ጉጅለታት ብምድጋፍ ካብ ቀፃሊ ጉዕዝኣ ንምዕጋት ፃዕሪ ይገብሩ ስለዘለዉ ኩሉ ሰብ በትኹረት ክርእዮ ይግባእ ኢሎም።

ኣብቲ ዕለት ካብ ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ 25 ሺህ ናይ ኣውስትራሊያ ዶላር መከላከያ ንምድጋፍ ቃል ዝተኣተወ እነትኾን፥ ብዙሓት ተሳተፍቲ በቢወርሑ ካብ 100 ክሳብ 300 ዶላር ንሓደ ዓመት ብቀዋሞነት ንምልጋስ ቃል ምእታዎም ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment