ኣብ ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ንግድብ ህዳሰ 233 ሺህን 557 ዶላር ህያብን ዕድጊት ቦንድን ፈፂሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ንግድብ ህዳሰ 233 ሺህን 557 ዶላር ኣሜሪካ ህያብን ዕድጊት ቦንድን ፈፂሞም።

ኣብተን ሃገራት ዝነብሩ እትዮጵያውያንን ትልዲ እትዮጵያን፥ ኣብ ግድብ ህዳሰ ኣስተዋፅኦ ንምብርሃት ”ህንፀት ግድብ ህዳሰ ንኽዛዘም ናይ ባዕለይ ኣስተዋፅኦ ክገብር ኢየ፤ ንወለዶ ኣሰረይ ከንብር ኢየ” ብዝብል መሪሕ ቃል ቪዲዮ ኮፈረንስ ኣሳሊጦም።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣብቲ እዋን ኮንፈረንስ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ህንፀፅ ዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ዘለዋ ሉኣላዊነት ንምምስካር ኣስተዋፅኦ ምግባሩ ገሊፆም።

ኣይተ ገዱ ኣብ መሸጣ ቦንድ፣ ህያብን ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻልን ኣብ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ንዝገብሮ ዘሎ ኩለመዳይ ሓገዝ ምስጋና ኣቕሪቦም።

እቶም ሚኒስትር፥ ኣብ ኣውስትራሊያን ኒውዝላንድን ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ቦንድ ብምግዛእ፣ ብፍልጠቶም፣ ንዝምልከቶምን ፅዕንቶ ፈጠርቲ ንዝኾኑ ኣካላትን ቅዋም ኢትዮጵያ ብምርዳእ ዝኽእሉዎ ኩሉ ሃገራዊ ሓላፍነት ንኽዋፅኡ እውን ፀዊዖም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment