ኣብ ኣኽሱም ዓይኒ ዋሪ 2016 ዓ/ም ንምኽባር ንዝኸዱ ኣጋይሽ ኣቀባብላ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣኽሱም ሎሚ ዘበን ዝኽበር በዓል ዓይኒ ዋሪ ንምኽባር ንዝኸዱ ኣጋይሽ ኣቀባብላ ይግበር ከምዘሎ ሓላፊ ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ኣፅብሃ ገብረእግዚኣብሄር ገሊፆም።

እቶም ሓላፊ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ በዓል ዓይኒዋሪ 2016 ዓ/ም ኣብ ታሪኻዊት ከተማ ኣኽሱም ንምኽባር ናብታ ከተማ  ኣጋይሽ ይኣትዉ ከምዘለዉ ገሊፆም።

ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ እታ ከተማ ነቶም ኣጋይሽ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ የውሃንስ ራብዓይ ኣቀባብላ ይገብረሎም ከምዘሎ ኣፍሊጦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment