ኣብ ኣንኮበር ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት 6 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣንኮበር ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ህይወት ሽዱሽተ ሰባት ሓሊፉ።

እቲ ሓደጋ ሎሚ መዓልቲ ለይቲ ካብ ሃርኣምባ ናብ ኣንኮበር ሰባት ኣሳፊሩ እናተጓዓዘ ዝነበረ ተሸከርካሪ ፅዕነት ኣብ ጣቢያ ሃርኣርባ ፍሉይ ሽሙ ልጄን ኣደራ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ እንትበፀርሕ ብምግልባጡ ዘጋጠመ ኢዩ፡፡

በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣብታ ተሸከርካሪት ካብ ዝነበሩ ሰባት ክሳብ ሕዚ ሽዱሽተ ህይወቶም ሓሊፉ ተባሂሉ፡፡

ኣብ ልዕሊ 30 ሰባት ድማ ቀሊልን ከቢድና ጉድኣት ኣካል ምብፅሑ ካብ ቢሮ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ወረዳ ኣንኮበር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment