ኣብ ኣብዬ ዝተዋፈረ ዓቃቢ ሰላም ሻለቃ ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ዘተ ኣካይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣7 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሱዳን ግዝኣት ኣብዬ ዝተዋፈሩ ኣባላትን ኣመራርሓን መበል 23 ሞተራይዝድ ዓቃቢ ሰላም ሻለቃ ኣብ እዋናዊ ዛዕባ ብምትኳር ዘተ ኣካይዶም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ላይዘን ኦፊሰር ቀጠና ሰሜን ኣብዬ ሱዳን ብርጋዴር ጀኔራል ዋኘው ኣለሜ፥ ኣብ ልዕሊ ኣባላት ሰራዊት እዝ ሰሜን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣዝዩ ዘሕዝንን ክውገዝ ዝግበኦን ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብ ተልእኾ ምዕቃብ ሰላም ዝተዋፈረ ሓይሊ ተረጋጊዑ ኣብ ግዳጁ ትኹረት ብምግባር ሓድነቱ ኣብ ዘጠናኽሩ ስራሕቲ ምርብራብ ይግባእ እውን ኢሎም።

ዋና ኣዛዚ እቲ ሻለቃ ኮለኔል ሓሰን ዓብደላ ብግደኦም፥ መንግስቲ ዝጀመሮ ሕጊ ናይ ምኽባር ስራሕን ገበነኛታት ናብ ሕጊ  ንምቕራብ ዝውሰድ ዘሎ ሕጋዊ ስጉምቲን ግቡእን ዝድገፍን ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ ውሽጣዊ ሓድነት ዘጠናኽሩ ኣንፈታት ህንፀት ብምኽታልን ኣብ ተልእኾ ብምትኳርን ዝተረፉ ግዜታት ግዳጅ ህዝብን ሃገርን ብዘኹርዕ ኩነታት ምፍፃም ይግባእ ክብሉ እውን ሓቢሮም።

እቶም ተሳተፍቲ ነቲ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ብምውጋዝ፥ “በቲ መጥቃዕቲ ከይተረበሽናን ከይተደናገፅናን ሓድነትናን ብፃያዊ ዝምድናናን ኣጠናኺርና ዝተውሃበና ስራሕን ሓላፍነትን ብዝግባእ ብምውፃእ ዓቃብነት ሰለምና ክነረጋግፅ ኣለና” ምባሎም ካብ ማሕበራዊ ገፅ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment