ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዘለው ፀገማት ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ዘለው ፀገማት ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ክልል ትግራይ ገሊፁ።

ኣብተን ኣብያተ ፍርዲ ዘለው ፀገማት ብምንፃር መፍትሒ ንምቕማጥ ዓሊሙ ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ውቕሮ፣ ሽረን ኣኽሱም ን1 ሺሕን 720 ሲቪል ሰራሕተኛታቱ ክህቦ ዝቐነየ ኣኼባ ተዛዚሙ።

እቲ ቤት ዕዮ፥ ኣብ ሲቪል ሰራሕተኛታት ዘሎ ዓብዪ ፀገም ብዕምቖት ዝተረኣየሉን መፍትሒ ዘድልዮ ሱር ዝሰደደ ፀገም ምዃኑ ዝተነፀረሉን መድረኽ ከምዝነበረ ኣብሪሁ።

ኣብያተ ፍርዲ ዘለወን ኩለ መዳያዊ ፀገምን መፍትሒ ሓሳብን ዝተንፀባረቐሉ መድረኽ ከምዝነበረ እውን ምግላፁ ኣብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment