ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣቢያተ ፍርዲ ምጉታት ፍትሒን ምዝባዕ ፍርዲን ዝፈጥሩ ስግኣታት ግዕዝይና እናተርኣዩ ከምዝኾኑ ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴራል ገሊፁ።
እቲ ኮሚሽን ኣብ ኣቢያተ ፍርዲ ዝረአዩ ስግኣታ ኣመልኪቱ ዘፅነዖ መፅናዕቲ መዳርግቲ ሎሚ መዓልቲ ኣካላት ኣብ ዝረኸቡሉ ዕላዊ ገይሩ።
ብመሰረት እቲ መፅናዕቲ ዝተረኸበ ውፅኢት፥ ኣብ ኣቢያተ ፍርዲ ምጉታት ፍትሒን ምዝባዕ ፍርዲን ዝፈጥሩ ስግኣታት ግዕዝይና ከምዝተርኣዩ ተሓቢሩ።
ካብ ተገልገልቲ ግቡእ ዘይኮነ ርክብ ምፍጣር፣ ምጉዳል ስነ-ምግባር ሓደ ሓደ ዳያኑ፣ ስራሕ ዳይነት ብቅሉዕ መጋባእያ ዘይምስላጥ፣ ቃል መሰኻኽር ተቖሪፁ ንኽተርፍ ምግባር ሓዊሱ ካልኦት ስግኣታት ግዕዝይና ከምዘለዉ ተገሊፁ፡፡
እቶ መፅናዕቲ ኣብ ዝተመረፃ ኣቢያተ ፍርዲ ፌዴራል ከምኡ እውን ክልላት ኦሮሚያን ደቡብን ብዝተወሰዱ ናሙናታት እንትኸውን፥ ካብ ኣቢያተ ፍርዲ ዝተረኸበ ሰነድ፣ ካብ ኣመራርሓታት፣ ሰራሕተኛታትን ካብ መኮንናት ስነ-ምግባርን ሓበሬታ ከምዝተኣከበ ተሓቢሩ፡፡
እቲ ኮሚሽን ኣብ ኣቢያተ ፍርዲ ዝረአ ስግኣት ግዕዝይና ኣመልኪቱ ኣብ ዘፅዖ መፅናዕቲ ናይ መፍትሒ ሓሳባት እውን ዝተፀርሑ እንትኾኑ፥ ግድፈት ስነ-ምግባር ኣብ ዝፍፅሙ ዳያኑ ግቡእ ስጉምቲ ምወቅሳድ ከምዝግባእን መዛግብቲ ኦዲት ክግበሩ ከምዝግባእን ተመልኪቱ፡፡
ብሞሊቶ ኤልያስ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com