ኣብ ኣቢያተ መፅሓፍ ኣብርሆት ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ መፃሕፍቲ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)‘’ሚሊየን መፃሕፍቲ ንሚሊየን ወለዶ’’ ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ኣቢያተ መፅሓፍ ኣብርሆት ንሓደ ወርሒ ዝፀንሕ መርሃ ግብሪ ምትእኽኻብ መፃሕፍቲ ተጀሚሩ።

ነቲ ቤ መፃሕፍቲ ኩሉ ኣሰሩ ንኸንብር ዝተሰናድአ መርሃ ግብሪ፥ ፕሬዚዳንት ሰሳህለወርቅ ዘውዴ ብዕሊ ኣጀሚረንኦ።

እተን ፕሬዚዳንት፥ “ኣቢያተ መፅሓፍ ወዲሰብ ፍልጠት ዝሽምተሉን ኣተሓሳስባ ዝቕረፀሉን ቦታ ስለዝኾነ፤ ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ ምሃብ ባህሊ ብምግባር ንካልኦት ብፍልጠት ንኽንተርፍ ዘኽል ኢዩ” ኢለን።

ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ በቢገዝኡ ዝተቐመጡ መፃሕፍቲ ብምትእኽኻብ መፃኢት ኢትዮጵያ ድልድል ፍልጠት ኮይኑ ንምህናፅ ዕላማ ምግባሩ ሓላፊት ቢሮ ባህሊን ቱሪዝምን ዶክተር ሂሩት ካሳ ገሊፀን።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተጀመረ መርሃ ግብሪ፥ ኮሚሽን ጉምሩኽ ልዕሊ 150 ሺሕ መፃሕፍቲ ከምኡ እውን ማሕበር ደረስቲ ኢትዮጵያ 5 ሺሕ መፃሕፍቲ ኣረኪቦም።

ብሜሮን ሙሉጌታ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment