ኣብ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ትካላት ብምትኳር ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ርኢቶ ሂቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣሰራርሓን ኣወዳድባን ትካላት ብምትኳር ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ርኢቶ ሂቦም።

እቶም ኣባላት ስልጣንን ተግባርን ኣፈፀምቲ ኣካላት መንግስቲ ንምውሳን ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ ርኢቶ፥ ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ዝምልከት ኣብ ውሽጢ ክልላት ፀገም እንትፍጠር ንምንታይ መንግስቲ ፌዴራል በቕልጡፍ ኣየኣቱን፤ ካብ ክልላት ሕቶ ክሳብ ዝቐርበሉ ንምንታይ ይፅበ ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ፡፡

ንስራሕቲ መስኖን ሰበኽ ሳግምን ከባቢታት ፍሉይ ተርኹት ክወሃብ፣ መንበሪ ኣባይቲ ከተማ ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ዝተፀርሐ ስለዝኾነ መንበሪ ኣባይቲ ገፀር እውን ክሓውስ ይግባእ ዝብሉ ርኢቶታት እውን ቀሪቦም፡፡

ኣብ ኣወዳድባ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን ማሕበራዊ ጉዳይን ‹‹መናእሰይ›› ክካተቱ እንተዝግበር ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ፡፡

ኮሚሽን ስነ-ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴራል ዘይሻራዊ ምዃኑ ንምርግጋፅ ከምኡ እውን ብሄራዊ ማንኪ ንኣፈፃሚ ኣካል ምዃኖም ተሪፉ ተፀዋዕነቶም ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክኸውን ይግባእ ዝብል ሓሳብ እውን ተላዒሉ፡፡

ተፀዋዕነት ትካላት ሚዲያ መንግስቲ እውን ሕዚ ብዘለዉዎ ንኽቕፅሉ ብግልፂ ክቕመጥ ይግባእ ዝብል ሓሳብ ቀሪቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment