ኣብ ኣርባዕተ ከተማታት ኢትዮጵያ ዝትግበር ዘበናዊ ካዳስተር ፕሮግራም ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥቅምቲ፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ብምትሕብባር ኢትዮጵያን መንግስቲ ደቡብ ኮርያን ብሓገዝ ገንዘብ ባንኪ ስዊዝ ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ከተማታት ኢትዮጵያ ዝትግበር ፕሮጀክት ዘበናዊ ሓበሬታ መሬትን ስርዓት ምምሕዳርን ተጀሚሩ።

ስርዓት ካዳስተር ሓዊሱ ዘበናዊ ናይ ከተማታት ምሕደራ ምምሕዳር ሓበሬታ መሬት፣ ህንፀት ኣይሲቲነ ስራሕቲ መዕበዪ ዓቕሚን ዝሓዘ እቲ ፕሮጀክት፥ ‘ኤል.ኤክስ.ጄ.ቪ’ ብዝተብሃለ ትካል ደቡብ ኮሪያ ኣብ ዝቕፅሉ 45 ኣዋርሕ ክትግበር ኢዩ።

ከተማታት መቐለ፣ ኣዳማ፣ ሃዋሳን ባህርዳርን በቲ ፕሮጀክት ተረባሕቲ ዝኾና እንትኾና፥ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 24 ሰዓት ዘባናዊ ስርዓት ሓበሬታ መሬት ዝሕዙ ተኸላ ታንከራት ሲ.ኦ.ኣር.ኤስ ከምዘጠቓልል እውን ተሓቢሩ።

ጎህ ንጉሱ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment